Visite

Wednesday 17 November 2010

ኦ ጐይታ ብየዋህነትካን ብምሉእ ሰላምን ረኣየና


ኣሥመራ፣ 11 መስከረም፣ 2010 ዓ.ም.ፈ.
1 መስከረም 2003 ዓ.ም.ግ.
ክቡራን ሕዝበ እግዚኣብሔር፣
ኣይብኃይልናን፣ ብኃይሊ እግዚኣብሔር፣ ሎሚውን ዘመነ ማርቆስ ተዛዚሙ ዘመነ ሉቃስ ኣብ እንጅምረሉ ወቕቲ በጺሕና፣ በዓላት ቅዱስ ዮሓንስን መስቀልን ከነኽብር ንዳሎ ኣሎና። ናይ’ዚ ርእሰ ዓመት’ዚ መልእኽተይ፣ ብፍላይ ነቲ ኣብ ጥምቀትና ዝተቐበልናዮ፣ ዕለት ዕለት ከኣ ክንኵስኵሶን ክንዓብየሉን ዘሎና ህያብ እምነትን ግብረ ኣምልኾን ዝምልከት እዩ። እምነት እምነ መሠረት ናይ ኵሉ ክርስትያናውን ሰብኣውን ሕይወትና እያ። እምነት ካብ ኣምላኽ እንቕበላ ጸጋ ክትከውን እንከላ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ፍረ ጻዕርና እውን እያ። ግብረ ኣምልኾ ድማ ነቲ ፈጣሪናን ኣምላኽናን ምስ ፍቁር ወዱ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃቢርና እነቕርቦ ናይ ስግደትን ምስጋናን መስዋዕቲ እዩ።
ንሕና ደቅ ሰብ ብዝበዝኅ ጭኑቓት ኢና፣ እንተ ሰኣና ነጕረምርም እንተረኸብና ነዕገርግር፣ ኣብ ክንደይ’ታ ዓቕምና ከም እንኽእልን እንፈልጥን ብዘይ እግዚኣብሔር ክንነብር ወይ ክንሰርሕ ንፍትን። እቶም ንመድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቐረባ ዝስዕብዎ ዝነበሩ ሓዋርያት’ውን ሓደ መዓልቲ ኣብ ባሕረ ገሊላ ምስ መምህሮም ክጎዓዙ ከለው፣ ነታ ዝጎዓዙላ ዝነበሩ ጃልባ ኃያል ማዕበል ኣናወጻ እሞ፣ ኢየሱስ ደቂሱ ስለዝነበረ፣ “መምህር ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን ኢኻ? በልዎ”። ብሓቂ ተጨኒቖም ፈሪሆም እዮም ዝነበሩ። ኢየሱስ ከኣ ብመለኮታዊ ኃይሉ ነቲ ንፋስ ከምዝሃድእ ምስ ገበረ “ስለምንታይ ትፈርሁ? ክሳብ ክንድ’ዚዶ እምነት የብልኩምን? በሎም”። ማዕበል ኣፍሪሁዎም ክረድኦም ናብ መምህሮም ኣእወዩ። እንተኾነ ነቲ ማዕበል ምስ ኣህድኣሎም እውን በቲ ዝገበሮ ዓብይ ተኣምራት “ንሳቶም ኣዝዮም ፈርሁ፣ ንሓድሕዶምውን ‘እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዝዎስ መን ኮን እዩ’ ተበሃሃሉ” ይብለና ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ (ማር 4፥40-41)። ምጭናቕና ከንቱ ምዃኑ ከረደኣና ኢየሱስ እንደገና፣ “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቍመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ?” (ማቴ 6።27) ይብለና። ዝናብ እንተወሓደና ነማርር ዝናብ እንተበዝሓና ነማርር! ብዘይካ እግዚኣብሔር ሓንቲ ቍም ነገር ክንገብር ከምዘይንኽእል ንርስዕ። “እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነ’ውን ኣብኡ፣ ንሱ እዩ ብዙኅ ፍረ ዚፈሪ፣ ምኽንያቱ ብዘይካይ ሓንቲኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ” (ዮሓ 15፥5-6)።
እግዚኣብሔር ግን ከማና ከም ደቅ ሰብ ኣይኮነን። ንሱ ወትሩ ትዕግሥተይናን በዓል ምሉእ ምሕረትን እዩ። እቶም መሠረታውያን መለለይታት እግዚኣብሔር ኣምላኽና፣ ወሰን ዘይብሉ ኃይልን ክብርን ፍልጠትን ጥበብን፣ ፍቕርን ምሕረትን ፍትሕን እዮም። ንሱ ምሉእ ጎደሎ ዘይብሉ እዩ። ናብዚ እንዛዝሞ ዘሎና ዓመት ምልስ ኢልና እንተረኣና እውን ብኃይሉን ብምሕረቱን ብፍቕሩን ብጥበቡን ዓመት ካህናትን ቅዱስ ዮሓንስ ቪያነን፣ ዓመት ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስን ኣጀሚሩ ብድኃን ኣፈጺሙና። ኣብ መጨረስትኡ ከኣ ብዓሠርተ ካህናት ባሪኹና። በቲ ለጋስ ጠለ ዝናሙ ከኣ ንሰብን ንእንስሳን ዘሓጕስ ቀውዒ ቀሪቡልና እነሆ። ዝሓለፈ ወርኂ ለካቲት ዝጀመርናዮ ናይ ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ ምድላዋት እውን ብጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ። እግዚኣብሔር ብሓቂ እሙንን ዘይጠልምን ኣቦና እዩ። ስለዚ ምስ ዳዊት ነቢይ ኮይንና “ኦ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ምሕረትካ ንዘለዓለም ክዝምር እየ፣ እሙን ምዃንካ ድማ ንውሉድ ወለዶ ክነግር እየ፣ ምሕረትካ ንዘለዓለም ከም ዚነብር፣ እሙን ምዃንካ ኸም ሰማይ ጸኒዑ ከምዚነብር እፈልጥ እየ” (መዝ 89) ዝብል መዝሙር እምነትን ፍቕርን እንዝምረሉ ዕድል ተዋሂቡና ኣሎ።
ዚቐትል ዚምሕር፣ ዜሕስር ዜኽብር፣ እግዚኣብሔር እዩ’ሞ ኃያል ብኃይሉ፣ ሃብታም ብሃብቱ ኣይመካሕ። ምሕረት ካብ እግዚኣብሔር፣ ድኅነትውን ካብኡ እዩ። ንሱ ንድኻ ካብ ባይታ ሓፍ የብሎ፣ ኵሉ ከዓ ንልዑል ኣምላኽ ይትስፎ። ሃብታምን ድኻን፣ ነቱ በብዓመቱ ክረምቲ እናምጽአ ነፍሲ ድኻታት ዜሕጕስ እግዚኣብሔር ይትስፈውዎ” (እስመ ለዓለም ዘዘመነ ክረምት፣ ሓሙስ ስብሓት ነግህ)። እግዚኣብሔር ካባና ዝደልዮ እንተሎ እምነትን ተኣዝዞን እዩ። ኣብ ሓልዮቱን ምሕረቱን ምሉእ እምነት ክህልወና ነቲ ንሱ ዝእዝዘና ከኣ ብዘይ ልግምና ክንፍጽም እዩ ዚደልየና። “ንስኻትኩም ግና ቅድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፣ እዚ ኵሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ፣ እምበኣርከስ ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ” (ማቴ 6፥33-34) ይብለና። ብእምነትን ብጸሎትን ብቅኑዕ ኅሊናን ብዝከኣለና ከኣ ፍቓዱ ብምፍጻምን እንተደኣ ቀሪብናዮ እግዚኣብሔር ጸግዕናን ዋልታናን ኮይኑ ክመርሓናን ከሰንየናን እዩ።
ንሕናኸ ኣብዚ እንጅምሮ ዘሎና ሓዲስ ዓመት እግዚኣብሔር እንታይ ክገብረልና ንደሊ ንኸውን? ነፍስወከፍና ኣብዚ ዝጅመር ዘሎ ዓመት ዝምነዮን ዝትስፈዎን ነገራት ኣለዎ። ኵልና እውን ሕያውነት እግዚኣብሔር ዝናም ናብ ምድሪ ኣውሪዱ ኣብ እምባታት ሳዕሪ ዘብቍል፣ ንሺሻይ ዚኸውን እኽሊ’ውን ዘጸብቕ እዩ’ሞ ፍትሕን ሓቅን ተራኸባ፣ ጽድቅን ሰላምን ድማ ተሰዓዓማ። ሕጂ ከኣ ኦ ንምድሪ ዘድሃብካላ ሕያዋይ ጐይታ ብየዋህነትካን ብምሉእ ሰላምን ረኣየና” (ሰላም ዘዘመነ ክረምት፣ ሓሙስ ስብሓት ነግህ) ክንብል ንደሊሕጅስ ነቲ ድሮ ጽቡቕ ዝናብ ሂቡ መግቢ ዕለትና ዝቐረበልና ኣምላኽ ነባሪ ሰላምን ቅሳነትን፣ ሓቀይና ዕርቅን ፍትሕን ክንልምኖ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። መግቢ ሥጋ ረኺብና፣ ጥምየት ፍቕርን ሰላምን እንተኣጥቅዓና፣ ጠልን ዝናምን ረኺብና፣ ፍትሕን ዕርቅን እንተወሓደና፣ ሕይወትና ጎዶሎ እዩ። እቲ ምጭናቕና እውን ኣየቋርጽን እዩ። እግዚኣብሔር ንመንፈስ ጥርጣረናን ንዛሕልናን ቀንጢጡ፣ ንክፍኣትና ሸለል ኢሉ ነታ ድኽምቲ እምነትና ከበርትዓልና ንለምኖ። ከመይ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና እተዓውተና መሠረት ኵሎም መንፈሳውያን ኃይላት ንሳ እያ።
ድልድልቲ እምነት እንተ ኣላትና ኵሉ ሥነምግባርናን ጠባይናን ፍቓድ እግዚኣብሔር ናብ ምድላይን ምፍጻምን ኣቢሉ ከድህብ እዩ።ሞራላዊት ሕይወትና ፍቕሩ ኣብ ዚገልጸልና ኣምላኽ ካብ ዘላትና እምነት ዝፈልፈለት እያ። እቲ ናይ “እምነት ተኣዝዞት” ከም መጠን ቀዳማይ ግዴታና ቅዱስ ጳውሎስ ዚዛረበሉ እዩ” (መዝ. ሃይማኖት 2087)። እዛ እምነት እዚኣ ግን ብጥንቃቐ ክትሕሎ ኣለዋ። “ግናኸ እቲ ዓብይ ኃይሊ ኣምላኽ እምበር ናትና ከምዘይኮነ ምእንቲ ኪገሃድ እዚ ሃብቲ’ዚ ኣባና ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ እዩ” (2ቆሮ 4፥7)። ስለዚ “ንእምነትና ተኸናኺንና ከነዕብን፣ ብጥበብን ብንቕሓትን ክንዕቅብን ንኣኡ ዚጻረር ዘበለ ንኽንነጽግ እቲ ቀዳማይ ትእዛዝ የሓተና” (መዝ. ሃይማኖት 2088)። ነቲ እንሰናደወሉ ዘሎና ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ ኤጳርቅናና ዝመረጽናዮም ስብከተ-ወንጌልን ግብረ-ኣምልኾን ዝብሉ ክልተ ኣርእስቲ፣ ንእምነትና ዘበራብሩን ዝምግቡን እዮም። “ምስክርነት ንኣምልኾ ፣ ኣምልኾ ድማ ንምስክርነት” ክንብል ከሎና ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ “እቲ ቃል ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቃል እምነት፣ ኣብ ጥቓኻ፣ ማለት ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ፣ ይብል። ስለዚ ብኣፍካ ‘ኢየሱስ ጐይታ እዩ’ ኢልካ እንተመስከርካ፣ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምውታን ከምዘተንሥኦ እንተ ኣመንካ ክትድኅን ኢኻ። ከመይ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ ብኣፉ መስኪሩውን ይድኅን” (ሮሜ 10፥8-10)፣ “እምበኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፣ እቲ ዚስማዕውን ቃል ክርስቶስ እዩ” (ሮማ 10፥17)። ኣምልኾ እግዚኣብሔር ከኣ ምስ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃቢርና እነዕርጎ ሕያው ናይ እምነት ስራሕ እዩ። ኣብ እምነት ዝተመሥረተ ምስክርነት ናብ ቅኑዕ ግብረ ኣምልኾ ይመርሕ። ብምሉእ ተሳታፍነት ዝዓረገ መስዋዕተ ኣምልኾ ከኣ ንእምነትን ምስክርነትን ይምግብን የደልድልን እዩ።
ክቡራን ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ ኣምላኽ ብምሕረቱ ሓዲስ ዓመትን ሓዲስ ዕድልን ክህበና ካብ ደለየ ንበዓልት ሓንሰ-መስቀለ ከነኽብር ከሎና ነዚ ዓብይ ጸጋ እዚ ብምስጋና ተቐቢልና ብዝተሓደሰ መንፈስ ንዝተዋህበና ግዜ ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ፣ ብእምነትና ክንዓብየሉ፣ ብተስፋና ክንብርትዓሉ ብፍቕርና ከኣ መዓልቲ መዓልቲ ብለጋስ ኣገልግሎት ክንነብረሉ ንተዓጠቕ። ንእምነትና ዝምግብዎን ዘደልድልዎን ተግባራት ከኣ እቶም ብዓብይ ፍቕርን መንፈሳውነትን እንቕበሎም ቃል እግዚኣብሔርን ምሥጢራት ቤተክርስትያንን እዮም። እምበኣር እምነትና ንእሽቶን ድኽምትን እያ እሞ በዚ ሓዲስ ዓመት’ዚ ንጐይታ እምነት ክውስኸና፣ ዓሚቝ መንፈስ ኣምልኾ ኣብ ልብና ከኅድረልና ንለምኖ። ኵልና ኣብ ዓድን ኣብ በረኻን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን እንርከብ ከኣ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ሓዲስ ዓመት ክኾነልና፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ነዚ ዓመት’ዚ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ዘምጽእ ዘመነ ሉቃስ ኪገብረልና፣ ፍርያም ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስውን ከነካይድ ክሕግዘና ኃቢርና ንለምኖ።
ምስ ብዙኅ ሰላምታን ቡራኬን

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም
ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ

No comments:

Post a Comment