Visite

Saturday 27 November 2010

ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ ኤጳርቅና ኣሥመራ


የካቲት 2010 - የካቲት 2011
ክቡራን ኣብ ከተማን ገጠርን፦ ኣብ ዓድን። በረኻን፦
ኣብ ሃገርን ወጻእን እትርከቡ። ሕዝበ እግዚኣብሔር ሰበኻ
ኣሥመራ
ቅድሚ ኵሉ ሰላም እግዚኣብሔርን ጽላል ኣዴና ኪዳነ
ምሕረትን ወትሩ ኣይፈለኹም እናበልኩ ንነፍሲ ወከፍኩም
ልባዊ ሰላምታይ ከቕርበልኩም ደስ ይብለኒ።
ልክዕ ቅድሚ ዓሠርተ ዓመት እቲ ቀዳማይ ታሪኻዊ
ሰበኻዊ ሲኖዶስ ኤጳርቅናና ከምዝተኻየደ ኵልና ንዝክሮ
ጕዳይ እዩ፣ ብብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ ኣብ ወርኂ
የካቲት1999 ተኣዊጁ። ንዓመት ዝኣክል ኣድላዪ ጎስጓስን።
ንጡፍ ምድላዋትን ምስ ተገብረ፦ ካብ የካቲት 25 ክሳዕ
መጋቢት 1 2000 .. ኣብ ዝነበረ ዕለታት ወግዓዊ
ጉባኤ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ
ብመስዋዕተ ቅዳሴን ከፋቲ መግለጺታትን ድሕሪ ተበጊሱ፦
ሚእቲ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ዝነበርዎ ጉባኤ ብምሉኡ ኣብ
ደቀምሓረ ናብ ዝርከብ ናይ ማኅበር ተራዳእያት ማእከል
ሱባኤን። ስልጠናን፤ 5 መዓልቲ ነቲ ዓመት ምሉእ
ዝተዳለወ መርኃ ግብር ዘትዩሉን። ኣብ መጨረስታ ከኣ
ውሳኔታትን። መምርሕታትን። እማመታትን ኣውጺኡ፣ ኣብ
መጨረስታ መዓልቲ ድማ፤ ተሳተፍቲ ጉባኤ ብምሉኣቶም።
ናብቲ መቓብር ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ዝርከበሉ
ዓዲ። ንሔቦ ንግደት ብምግባር። መስዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ
ዛዘምዎ፣ ድሕሪ ቍሩብ ግዜ ድማ እቲ ኵሉ ውሳኔታትን
መምርሒታትን ብጸሓፍቲ ሲኖዶስ ኣብ ሓንቲ ካቶሊካዊት
ሰበኻ ኣሥመራ ከም ሓንቲ ሥምርቲ ስድራ። ቀዳማይ
ሰበኻዊ ሲኖዶስ ኤጳርቅና ኣሥመራ ዝኣርእስታ መጽሓፍ
ተጠርኒፉ ብወግዒ ብፍቓድ ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ
ናብ መላእ ሰበኻ ተዘርጊሑ እዩ።
ድሕሪ ዝተጠቕሰ ቀዳማይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ፦ እቲ ዝዓበየ
ስራሕ ሰበኻና ነቲ ውሳኔታትን እማመታትን ኣብ መላእ
ሰበኻ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ
ነቢሩ፣ ቅድሚ ኵሉ እቲ ሓሙሽተ ዝተባህለ ናብ ዓሠርተ
ዓመት ከምዝተናውሐ ንርእዮ ኣሎና፣ ብርግጽ ኣብዚ እዋን
እዚ ብዙኅ ኣብ ግብሪ ውዒሉ እዩ፤ ኃያሎ ውሳኔታት ከኣ
ብዝተፈላለ ምኽንያት ክትግበሩ ኣይከኣሉን
ሲኖዶስ እንታይ ማለት እዩ?
ሲኖዶስ ወይ መንፈሳዊ ባይቶ ብዝተፈላለየ ስም ደኣ ይጸዋዕ
እምበር ካብ ጥንቲ ጀሚራ ቤተ ክርስትያን እትጥቀመሉ ሓደ
ብቑዕ መሳርሒ እዩ፣ ሲኖዶስ ከም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን
ዝኣመሰለ ብተሳትፎን ብትሕዝቶን ንመላእ ቤተክርስትያን
ዝምልከት፤ ወይ ከኣ ከምቶም 1994 2009 ምእንቲ
ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ንሓንቲ ክፍለ ዓለም ጥራሕ ዝርእዩ
ጉባኤታት፦ ከምኡውን ከምዚ ኣብ ሰበኻና 2000 ..
ዝተኻየደ ንዝተወሰነት ሃገር ወይ ሰበኻ ዝምልክቱ ጉባኤታት
ተኻይዶም ይካየዱ እውን ኣለው፣ ሲኖዶስ ማለት። መንፈሳዊ
ዋዕላ።ኣኼባባይቶ እንከስምዕ፤ ቃል ንቓሉ ግን ብቛንቋ
ግሪኽሲን-ኦዶስማለትብሓንሳብ ምጕዓዝካብ ዝብል
ድርብ ቃላት ዝመጸ እዩ፣ እቲ መጀመርያ ክጥቀስ ዝኽእል
ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ከኣ እቲ ኣብ ግብረ-ሓዋርያት ምዕራፍ
ዓሠርተ ሓሙሽተ እንረኽቦ ጉባኤ ኢየሩሳሌም እዩ፣ ካብኡ
ጀሚራ ቤተክርስትያን በብዘመኑን ኣብ በቦትኡን ዝተፈላለዩ
ሲኖዶሳት ወይ መንፈሳውያን ጉባኤታት ኣካይዳ ጋናውን
ተካይድ ኣላ፣ ብትሕዝቶ ዝመጸ እውን ሓደ ሲኖዶስ ብዛዕባ
ሓፈሻዊ ሕይወትን ኣሰራርሓን ቤተክርስትያን። ወይ ከኣ
ብዛዕባ ዝተወሰነ ኣርእስቲ ዝምርምርን። ዝዋሳእን። ዝውስንን
ክኸውን ይኽእል፣ ናይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ ወይ ጉባኤ ሕግታት
ኣብ ምሥራቓዊ ሕገ ቀኖና ቍጽርታት 235-242 ተነጺሩ
ይርከብ፣ እዚ ሕግታት እዚ ትርጉም ሰበኻዊ ሲኖዶስ/ጉባኤ።
መን ዝእክቦን ዝመርሖን። መነ መን ዝሳተፉዎን። መኣስ
ክጋባእ ከምዝኽእልን ኣነጺሩ ይሕብር እዩ።
ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ ንምንታይ ኣድለየ?
ኣብ መእተዊ መጽሓፍ ናይ ካልኣይ ኅታም ሰነድ ቀዳማይ
ሰበኻዊ ሲኖዶስ ከምዝገለጽኩዎ። ሎሚውን እንተኾነ
ንኵልና ሲኖዶስከም ውልቀ ሰባት ይኹን ከም ማኅበረ
ክርስትያን። ኣብ እነካይዶ መንፈሳዊ ጕዕዞን ሓዋርያዊ
ኣገልግሎትን፤ ሕንጸት ኵሉ መዳያዊ ስራሕናን፤ ዝሓለፈን
ዘሎን ኣካይዳናን ኣነባብራናን ገምጊምና፦ ካብኡ ተበጊስና
ከኣ ንዚመጽእ እዋን ኣድለይቲ መደባት ክንሕንጽጽ። ነቲ
ዝተለምናዮ ተቐሚጥና ክንጸባጸብ። እንደገና ተበጊስና
ጕዕዞና ክንቅጽል ዘተባብዓናን ዝምህረናንኣምላኽ ዝህበና
ወርቃዊ ግዜን ዕድልን ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፣
ስለዚ ኣብቲ ቅድሚ ዓሠርተ ዓመት ዝተኻየደ ሰበኻዊ
ሲኖዶስና ከምዝረኣናዮ እዚ ካልኣይ ሲኖዶስ እውን ነቲ
ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ጕዕዞ ሰበኻና ብቕንዕናን ብግሉጽነትን
ኣብ ምግምጋም፦ ንዝጎደለን ዝደኸመን ኣብ ምምሕያሽን።
ምእራምን፦ ንኣድላይን ጠቓምን ለውጢ ዘምጽእ ንዝሕደስ
ኣብ ምሕዳስ ዘተኰረ እዩ
ንካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስና ዝመረጽናዮ ኣርእስቲ እንታይ እዩ?
ኣብቲ ቀዳማይ ሰበኻዊ ሲኖዶስናእምበኣርከስ ሲኖዶስና
ንኵላዊ ምሕዳስን ዳግመ ስርርዕ ሕይወትን ስራሕን ሰበኻ
ኣሥመራ እዩ ተበጊሱ ክበሃል ይከኣል፣ ምሕዳስ ክበሃል ከሎ።
ነቲ ዘሎ ህያባትን ሀብትን ኣለሊኻ ብሓዲስ መንፈስን ብሓዲስ
ትግሃትን ክትነብሮ ምጅማር ማለት ክኸውን እንከሎ። ዳግመ
ስርርዕ ከኣ ነቲ ዝጎደለን ዝላሕልሐን መሳርሒታትን ቅርጽን
ሰበኻና ምድልዳል ማለት ይኸውንዝብል ዕላማ ከምዝነበረና
ዝዝከር እዩ፣ መጀመርያ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሕይወትን
ተልእኮን ሰበኻ ክዋሳእን መደብ ከውጽእን ግዲ እዩ፣ ኣብዚ
ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ ግን ዝያዳ ምእንቲ ከነዕሙቖን።
ተግባራውነቱ ምእንቲ ከነረጋግጽን ውሕድ ዝበለ ኣርእስቲ
ክንመርጽ መዲብና ኣሎና፣ እቶም ዝተመርጹ ድማ እዞም
ዝስዕቡ ክልተ ኣዝዮም ኣገደስቲ ኣርእስትታት እዮም
1- ስብከተ ወንጌል(ምስክርነት) እዚ ኣርእስት ነቲ ኣዝዩ
ዓብይን ኣገዳስን ተልእኮ ቤተክርስትያን ዝምልከት እዩ።
መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱናብ
ኵሉ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ።
እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ኪድኅን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ
ግና ኪዅነን እዩ” (ማር1615-16) እናበለ ከምዝኣዘዞም
ሰበኻናውን ከም ተኸታሊት ሓዋርያት ከይተሓለለት ብቃልን
ብግብርን ወንጌል ክትሰብኽ፡ ትምህርተ ክርስቶስ ክትምህር
ግቡኣ እዩ።ብስሙ ከኣ ንስሓን ኅድገት ኃጢኣትን ካብ
ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣሕዛብ ኪስበኽ ጽሑፍ
እዩ፣ ናይዚ ነገራት መሰኻኽር ንስኻትኩም ኢኹም
(
ሉቃ 2447-48) “ኣመንኩ ስለዚ ተዛረብኩ” (2ቆሮ 413)
ወንጌል እንተሰበኽኩ ዝምክሓሉ የብለይን፤ ምኽንያቱ
ኪሰብኽ ምዙዝ እየ፦ እንተዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ!”1ቆሮ
9
16)
2- ግብረ ኣምልኾ(ሊጡርጊያ)እምበኣር ቅድሚ ኵሉ
ምህለላ። ጸሎት። ምምላድ። ምስጋና፦ ምእንቲ ኵሉ ሰብ
ኪግበር እምዕድ ኣሎኹ” (1ጢሞ 21) ግብረ ኣምልኾ
ኵሉ ኣማኒ ብተገዳስነትን ብወንን ዝሳተፎ ናይ ዓሚቝን
ሕያውን እምነት ስራሕ ምእንቲ ክኸውን ትሕዝቶኡን
ኣገባቡን ሥርዓቱን ንጹር፤ ብዝተኻእለ መጠን ከኣ ምስ
ግዜና ዝሰማማዕ ከኸውን የድሊ፣ግብረ ኣምልኾት ወይ
ሊጡርጊያናይ ክርስቶስ ተግባር ከም ምዃኑ መጠን፦
ናይ ቤተክርስትያን ትግባር እውን እዩ፣ ንቤተክርስትያን
ህልውቲ ዚገብራን፤ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቂሰብን ናይ
ዘሎ ሱታፌ ርኡይ ምልክት ገቢሩ ዜነጽራን እዚ ሊጡርጊያ
እዩ፣ ንምእመናን ኣብቲ ሓዲስ ሕይወት ማኅበር ኣመንቲ
ከምዚነጥፉን፤ ነፍስወከፍ ድማብንቕሓትን ንጥፈትን።
ፍርያም ኣገባብን ከምዚሳተፉን ይገብሮም” (መዝገበ
ሃይማኖት .1071)
ጭርሖን ጸሎትን ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስና እንታይ ይብል?
ኣብዚ ዝጀመርናዮ ናይ ምድላዋት ግዜ። ጭርሖ ሰበኻዊ
ሲኖዶስናኣምልኾ ንምስክርነት ምስክርነት ንኣምልኾ!!”
እዩ፣ ጸሎትና ድማ ጐይታ ኣብ መኣድኻ ከም እንኃብር
ግበረና!! እዩ ዝብል፣ እዚ መበሊና ከኣ ነዚ ኣብ ላዕሊ
ዝተጠቕሰ ክልተ ዓበይቲ ኣርእስቲ ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ
ኤጳርቅናና ብሓጺሩ ስለዘንጸባርቕ እዩ፣ ስለዚ ኵልና
ክንፈልጦን ከነፍልጦን ክንጽልዮን ይግባእ
ትሕዝቶ ስእላዊ ኣርማ ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ ከመይ ይመስል?
ዝተፈላለዩ ወከልቲ ኣባላት ሰበኻ (ካህን፡ ውፉያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ሰብ ኪዳን ወለዲ፡ መንእሰያት፡ ሕጻናት) ምስ ጓሳኦም ጳጳስ ኣብ መኣዲ ተቐሪቦም ይርከቡ፣
ኣብቲ መኣዲ ከኣ ቅዱስ መጽሓፍን፡ ናይ ሥጋን ደምን
ክርስቶስ ምልክት ኅብስትን ጽዋዕን፡ ዘለላ ወይንን ሥርናይን
ኣብ ሞሰብ ተቐሚጦም ይረኣዩ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ሞሰብ
ከኣኣብ መኣድኻ ከም እንኃብር ግበረናዝብል ጸሎት
ይርከብ፣ ብክልተ ወገን እቲ መኣዲ ብቋንቋ ግእዝ፡ሑሩ
ወመሃሩብትግርይና ድማ፡ኬድኩም መሃሩዝብል
ትእዛዝ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይርአ፣
ኵሉ እንሕልኖን፡ እንገብሮን እንምህሮን ብኣኡን ምስኡን
ኣብኡን ስለዝኾነ ነዚ ኵሉ መኣድን ጽሑፋትን ሓቝፉ
ዝርከብ ስእሊ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳና ኣሎ፣ ንኣኡ ሒዝና
ከኣ ንኵሉ ክንወጾ ኢና፣
ምድላዋት ሰበኻዊ ሲኖዶስ ብመን ይፍጸም?
እቲ ዝድለ ምድላዋት ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስና ብመላእ
ሰበኻ፡ ማለት ብካህናት፡ ውፉያት፡ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት/
ምንኵስና ብኵላቶም ምእመናን እዩ ዝፍጸም፣ ነዚ
ምድላዋት እዚ ዘተሓባብር ኮሚቴ ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ
ቆይሙ፡ ብዝሓጸረ ግዜ ስራሑ ክጅምር እዩ፣ ኵልኻትኩም
ሊቃነ ካህናትን ቆሞሳትን ውፉያትን ምእመናንን፡ ብፍላይ
ከኣ ክኢላታት ሊጡርጊያን፡ ትምህርተ መለኮትን፡ ኣብ
ዘዘሎኹምዎን በብዓቕምኹምን ምስ እዚ ኮሚቴ እዚ
ክትተሓባበሩ ሓደራ እብል፣
ምድላዋት ሰብኻዊ ሲኖዶስ ክንደይ ግዜ ይወስድ?
ሓደ ሰበኻዊ ሲኖዶስ ሠለስተ ክፍልታት ኣለውዎ፣ ንሳቶም
ከኣ ቅድመ ሲኖዶስ፡ ግዜ ሲኖዶስ፡ ድኅረ ሲኖዶስ ተባሂሎም
ክጽውዑ ይከኣል፣
1-
ቅድመ ሲኖዶስ እዚ ከኣ ካብታ ዝተኣወጀላ መዓልቲ
ጀሚሩ ክሳዕ እቲ ወግዓዊ ዕለት ጉባኤ ዘሎ ናይ ምድላዋት
ግዜ እዩ፣ እዚ ከኣ ካብ በዓለ ኪዳነ ምሕረት የካቲት 2010
ክሳዕ በዓለ ኪዳነ ምሕረት የካቲት 2011 ዘሎ ኣዋርኅ
ይኸውን ማለት እዩ
2-
ግዜ ሲኖዶስ እዚ እቲ ብጳጳስ እናተመርሐ ካብ ሠለስተ
ክሳብ ሾብዓተ መዓልቲ ኣቢሉ ዝውድእ ወግዓዊ ጉባኤ ማለት
እዩ፣ ዝካየደሉ ርግጸይና ዕለትን ቦታን ከኣ ቅድመ ሲኖዶስ
ኣብ ምውዳኡ ብጳጳስ ብግዜ ንመላእ ሰበኻ ክሕበር እዩ
3-
ድኅረ ሲኖዶስ ነቲ ኣብ ሲኖዶስ ዝተዋህበ መምሪሕታትን
ዝጸደቐ ውሳኔታትን ኣብ መላእ ሰበኻ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ
ግዜ እዩ፣ ብዝበዝኅ ንሠለስተ፡ ሓሙሽተ ወይ ንዓሠርተ
ዓመት እውን ይቐጽል ክበሃል ይከኣል እዩ፣ እዚ ከኣ ኣብ
ምዝዛም ሲኖዶስን ኣብቲ ዝወጽእ ወግዓዊ ሰነድን ክሕበር
እዩ፣ እዚ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ዝተዋህበ መግለጺ
ትርጉምን ኣመራርሓን ሰበኻዊ ሲኖዶስ በዚ ዝመጽእ
ዘሎ ኣዋርኅ ብዝበለጸ ክግለጸልናን። ኣዕሚቝና ክንርድኦን
ምዃንና ፈሊጥና ብጽቡቕ ድላይ ንበገስን።
ጸሎት ምእንቲ ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ
እቲብጀካይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም
(
ዮሓ 155) ዝበለና መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡
ካልኣይ ሲኖዶስና ዕዉትን ፍርያምን ምእንቲ ኪኸውን
ቅድሚ ኵሉ ብጸሎት ክንተግህ ይዕድመና፣ ስለዚ እዚ
ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሠለስተ ክፍልታት ዘለዎ ናይ ሰበኻዊ
ሲኖዶስ ጕዕዞና ከምቲ ዝድለ ብስሩዕ መንገዲ ምእንቲ
ክካየድ፤ እቶም ክመርሕዎን ከተሓባብሩን ዝተመዘዙ ኣካላት
ሰበኻና ከኣ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኃይልን ጥበብን ምእንቲ
ክረኽቡ፦ ብግልን ብኃባርን ብጸሎትና ከነሰንዮም ይግበኣና
ጸሎት እቲ ዝዓበየ መሳርሒ ቤተክርስትያን እዩ እሞ
ኣብ ቍምስናታትን ኣብ ገዳማትን፡ ስድራቤትን ዕለት ዕለት
ነቲ ምእንቲ ሲኖዶስ ዝተደርሰ ጸሎት ክንደግሞ ሓደራ እብል፣
መደምደምታ
እምበኣርከስ ነዚ ብወግዒ እንኸፍቶ ዘሎና ዓመት ምድላዋት፡
ብታሕጓስን ብእምነትን ተቐቢልና፡ ነቲ ዘድሊ ስራሕና
ብጸሎትን፡ መጽናዕትን፡ ጽሑፋትን፡ ምይይጥን ነሰንዮ።
መንበረ ጵጵስናን፡ ሰበኻዊ ቤት ጽሕፈትን፡ መናብር ሊቃነ
ካህናት፡ ኣብያተ ምኽሪ ምእመናንን፡ መንእሰያትን፡ ማእከል
ምእመናን፡ ዓበይትን ናእሽቱን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት፡
መማህራን ትምህርተ ክርስቶስ፡ ውፉያት ደቂ ተባዕትዮን
ደቀንስትዮን፡ ምእመናን ሰበኻ ኣሥመራ ብሓበራ ኢደይ
ኢድካ እናበልና ንተሓጋገዝ። እቲሰበኻ ኣሥመራ ከም
ሓንቲ ሥምርቲ ስድራዚብል ናይ ቀዳማይ ሰበኻዊ ሲኖዶስና
ጭርሖ ዝብሎ፡ ሎሚውን ከም ሓንቲ ሥምርቲ ስድራ
ኮይንና ብትብዓት ንበገሥ፣ እቲ ኵሉ ዝከኣሎ ጐይታ ከኣ
ኣብ ጕዕዞና ከሰንየናን ክድግፈናን ምዃኑ ኣይንጠራጠርን።
ኣዴና ኪዳነ ምሕረት እውን ከም ልማዳ ነቲ ወዳ ዚብለና
ክንፍጽም ክትሕግዘና ምዃና ርጉጻት ኢና። እግዚኣብሔር
ዓመት ራህዋን ሰላምን፡ ዓመተ እውነተይና ኣምልኾን
ምስክርነትን ይግበረልና።
ምስ ብዙኅ ሰላምታን ቡራኬን
ኣቡነ መንግሥትኣብ ተስፋማርያም
ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ